ትግራይ ኣብ 3 ዓመት ዝውዳእ 1 ሽሕን 220 ኪሜ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ተሳልጥ ኣላ።

ትግራይ ኣብ 3 ዓመት ዝውዳእ 1 ሽሕን 220 ኪሜ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ተሳልጥ ኣላ።

 

መቐለ  10 መጋቢት 2012 ዓም (ትግራይ ቲቪ)

ቢሮ ኮንስትራክሽንን መንገድን መጉዓዝያን ትግራይ ኣብ 3 ዓመት ዝዛዘም ልዕሊ 1ሽሕን 220 ኪሜ ኣስፋልት መንገዲ ይሃንፅ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ወልደኣማንኤል ገብረየሱስ ከምዝበልዎ ቅድሚ ሐዚ ዝርገሐ መንገዲ ትግራይ ከባቢ 906 ኪሜ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ልዕሊ 6 ሽሕን 483 ኪሜ ዝርገሐ መንገዲ ኣሎ ኢሎም።

ካብዚ ድማ እቲ 2ሽሕን 200ን ኪሜ ኣስፋልት መንገዲ እዩ።

እቲ ቢሮ 15 ፕሮጀክት ኣስፋልት መንገዲ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር እዚ ድማ ንትግራይ ኣብ 3 ዓመት ዝዛዘም ተወሳኺ 1ሽሕን 220 ኣስፋልት መንገዲ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ቀፃሊ 5 ዓመት መርሃ ግብሪ ኩለን ገፀር ጣብያታት ብፀፀር መንገዲ ንምርካብ ዝስራሕ ዘሎ እንትኸውን ኣብቲ ቀፃሊ መርሃ ግብሪ ኩለን ቁሸታት ብደረጃ ዩራፕ ብዝስራሕ መንገዲ ክራኸባ እየን ተባሂሉ።

 

ፍልፍል፡- መቐለ ፋና