ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝተመደቡ 2600 ተማሃሮ ተወለድቲ ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዛጊድ እቶም 2000 ተምሃሮ ካብቲ ክልል ወፃኢ ኣብ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክምደቡ ተገይሩ ኣሎ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝተመደቡ 2600 ተማሃሮ ተወለድቲ ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዛጊድ እቶም 2000 ተምሃሮ ካብቲ ክልል ወፃኢ ኣብ ዘለዋ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ክምደቡ ተገይሩ ኣሎ፡፡

መቐለ 6 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ )

ሰላምን ድሕንንትን ሃገር ኣብ ዘይተረጋገፀላ ዓዲ ዝተገበረ ምደባ 10ብ90 ትክክል ከም ዘይኮነን ነዚ እዉን መንግስቲ ትግራይ ኣትሪሩ ከም ዝተቓዎሞን ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ መዳይ መንግስቲ ትግራይ ብዝገበሮ ተኸታታሊ ፃዕሪ ብፉሉይ ኣብ ትግራይ እቲ ምደባ 20ብ80 ክኾን ከም ዝኻኣለ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኢንጅነር ደ/ር ገ/መስቀል ካሕሳይ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ እዉን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ዝተመደቡ 2600 ተማሃሮ ተወለድቲ ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ብዝገበሮ ፃዕሪ ዛጊድ እቶም 2000 ካብ ክልል ኣምሓራ ወፃኢ ክምደቡ ከም ዝተገበረን እቶም ዝተረፉ 600 ተማሃሮ እውን ብተመሳሳሊ ናብ ካሊእ ንክምደቡን እዙይ ምስ ዘይትግበር ድማ ካልኦት ኣማራፅታት ወሲድካ ኣብ ዓዶም ብምሸታዊ ንክመሃሩ ቀፃልነት ዘለዎ ፃዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ኢንጅነር ደ/ር ገ/መስቀል ወሲኾም ሓቢሮም ፡፡ብህወት ብርሃነ