መርገፂ ህወሓት ኣብ መረፃ 2012 ዓ.ም

መርገፂ ህወሓት ኣብ መረፃ 2012 ዓ.ም
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

መቐለ 18 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ)

ኣድላይነት መረፃ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንፃት እውን እንተኾነ ናብ ሕቶ ኣይኣቱን። ብዘይ ሕንከት ውልቀ መላኺ ስርዓት ዝመርሑ ማርሻላትን ነገስታትን ከይተረፈ ንስልጣኖም ‘ሕጋዊ' ተቐባልነት ንምልባስ ብዝብል ዋላ ናይ ቃል ዓለም እውን እንተኾነ መረፃታት ዘካይድሉ ዕድል ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ምናልባሽ በዚ መዳይ እዚ ኣብ ቀረባና ዝተርኣየ ዘይልሙድ ተርእዩ እንተልዩ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንኣድላይነት መረፃ ኣመልኪቱ ብዘይሕንከት ዘልዐሎም መስደመም ሓሳባትን መራሒ እቲ ሕዚ ኣብ ሃገርና ናብ ስልጣን መፂኡ ዘሎ ጉጅለ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንነበርቲ ኣኽሱም ዝሃቦ ዘገርም መልስን ጥራሕ እዮም ምባል ይከኣል። ልዕሊ ኹሉ መረፃታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ (ውድብ) ውልቀ ሰብ ክንደየናይ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ዝረጋግፀሉ ሓደ መሳርሒ እንትኸውን ኣብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ድማ ፍፁም ክሕለፍ ዘይኽእል ኣገዳሲ ከይዲ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኣብ "ኣውሮፓ" ይኹን ኣብ ካልኦት ነዊሕ ዘመን ኣብ ዴሞክራሲ ዝፀንሓ ሃገራት፣ መንግስታት ይትረፍ ‘ዶ ኣብ ኩሎም ፖሊሲታቶም ተቓውሞ ተላዒሉስ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ዘሰጉምወን ጉዳያት ክህሉ ዝኽእል ናይ ህዝቢ ድጋፍ ኣብ ሓደጋ ኣብዝወድቀሉ ሰዓት ህፁፅ መረፃ (snap elections) ወይ ድማ ሙሉእ ህዝቢ ኣብተን ውሱናት ጉዳያት ዘለዎ እምነት ዝገልፁሉ ሪፈረንደም ዝገብርሉ ኩነታት እዩ ብስፍሓት ዝርአ።

ከምቲ ኣብ መጀመርታ ንምርኣይ ዝፈተንናዮ ሕዚ እውን እንተኾነ መረፃ ዝግበረሉ ሓደ ምኽንያት ህዝቢ ውክልና ዝሃቦ ፓርቲ፣ ዝመርሖ መንግስቲ ወይ ድማ ውልቀሰብ ክንደይናይ ውክልንኡ ብቕንዕና ይዋፃእ ከምዝህሉ ንምፍታሽን ኣብ ውፅኢቱ ተመስሪትካ ብዛዕባ እቲ ውክልና ውሳነ ንምሃብን ስለዘኽእል እዩ። ወካሊ ንወኪሉ ዝህቦ ናይ ሓደራ ቃል ክንደይናይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ንዝብል ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ክረክብ ዝኽእል ወኪል ንወካሊ ዝሃቦ ኣብ ጊዜ ዝተወሰነ ውክልና በብግዚኡ ዝፍተሸሉ ዕድል ምስ ዝህሉ እዩ።ብተወሳኺ ድማ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ (መንግስቲ) ብተደጋጋሚ ንዝቐርቡ ናይ ወከልቲ (ህዝብታት) ሕቶ ክንደየናይ ቁልጡፍ ምላሽ ይህብ ንዝብል ሕቶ እውን ዝሐሸ መልሲ ንምርካብ የኽእል እዩ መረፃ። ኣብ መወዳእታ፣ መረፃ ህዝብታት ይኹኑ ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድሌቶም ብነውፅን ጐንፅን ከምኡ እውን ብዕልዋ መንግስትን ኣቢሎም ንምርግጋፅ ዝግደድሉ ኩነታት ንምውጋድ እውን ኣገዳሲ ይኸውን።

ናይ ሃገርና ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እንትርአ በቢግዚኡ ዝግበር መረፃ ብሰናይ ድልየት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ጥራሕ ዝውሰን ዘይኮነስ ልዕሊ ኹሉ ናይቲ ስርዓት ዴሞክራሲያውነት ንምርግጋፅ ፍፁም ክሕለፍ ዘይኽእል ከይዲ ብምዃኑ እውን እዩ። ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ብግልፂ ከምዝድንግጎ መንግስቲ ኣብ ኣፈፃፅማ ስርሑ ጉድለት እንተሃልዩዎ እሞ ብፓርላማ "Vote of confidence" እንተሲኢኑ መንግስቲ ይኹን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተበቲኖም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ መረፃ ብህፁፅ ዝካየደሉ ኣሰራርሓ የቐምጥ እዩ። እዚ ዘርእየና ናይ ህዝቢ ድሌት ኣብ ቀፃልነትን ዘይቐፃልነትን ስልጣን ሓደ ፓርቲ ወይ መንግስቲ እቲ ቁልፍን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ እዩ። ይትረፍ'ዶ መረፃ ብዝኾነ ምኽንያት ክናዋሕ ከከም ኩነታቱ ናይ መረፃ ጊዜ እንተይኣኸለ እውን እንተኾነ ንናይ መንግስቲ ተቐባልነት ናይቶም ወከልቲ ወይ መረፅቲ ድልየት ንምምላእ ተባሂሉ መረፃ ዝካየደሉ ኩነታት ክህሉ ከምዝኽእል እዩ ዘርእየና።

ስለዚ ቀፃሊ መረፃ ብዝምልከት ህወሓት ክህልዎ ዝግባእ መርገፂ ካብ ነባር መትከሉን ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ካብ ዘለዎ ፅኑዕ እምነትን ዝፍልፍል እዩ ክኸውን ዘለዎ። ፖሊስታትን ስትራቴጅታትን ኣውፂኡ ናይ ሚልዮናት ናብራ ኣብ ምቕያር ርኡይ ውፅኢት ዘመዝገበ ፓርቲ ኣብ ቅልውላውን ሕምስምስን ኣትዩን መስመሩን ኣካይድኡን ስሒቱን መረፃ ከናውሕስ ይትረፍ ንፃት እውን ይኹን ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ከተኣናግድ ክፍቀደሉ ኣይግባእን። ህወሓት ሕዚ እውን ከም ቀደሙ ኣድላይነት መረፃ ኣብ ሕድሕድ ኩነታት ኣብ ዝህሉ ናይ ስዕረትን ዓወትን ስልሒት ዝምስረት "Opportunistic" ዘይኮነስ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ብነፃ ድልየቱ ዝገልፀሉ፣ ሕገ መንግስታዊ መትከላትና ዝኽበርሉ ከምኡ ድማ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትና ዝጉልብተሉ መተካእታ ዘይብሉ ከይዲ ምዃኑ ይቕበል። ካብኡ ሓሊፉ መረፃ ብዋናነት ከይዲ እምበር ውፅኢት መምዘኒኡ ክኸውን ኣይግባእን ኢሉ ይወስድ። ስለዚ መረፃ 2012 ዓ.ም እውን በቲ ዝተቐመጠሉ ጊዜ ሰሌዳ ክካየድ ይግባእ ዝብል መርገፂ ክህልዎ ይግባእ። ኣለዎ እውን፡፡

መርገፂ ህወሓት ልዕሊ ኹሉ ሕገ-መንግስታዊን መትከላውን ኮይኑ እንተብቅዕ፣ መረፃ ይናዋሕ ኢሎም ብዕላዊ ይኹን ብዘይዕላዊ መንገዲ ዝጉስጉሱ ወገናት ዘልዕልዎም ምኽንያታት ንምንታይ ተቐባልነት ከም ዘይብሎም ቁሩብ ትንትን ኣቢልካ ምርኣይ ከድሊ እዩ።

ብወገን እቲ ጉጅለን መሻርኽቱን ይኹን ብወገን እቶም ካብ ደገ ተጠቢሮም ዝመፅኡ ፍፁም ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎም ሓይልታት መረፃ ንምንዋሕ ከም ሓደ ምኽንያት ዘቕርብዎ "ትካላት መረፃ ድኹማት እዮም ዝብል እዩ። ይኹን እምበር እዞም ትካላት እዚኦም ንዝሓለፉ ዕስራ ዓመት ኣብ ፅንኩር ኩነታት ከይተረፈ ዝተሳኸዐ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ኣካይዶም ዘዐወቱ ምዃኖም ክርሳዕ የብሉን። ብወገን መራሒ እቲ ጉጅለን ምዕራባውያን መወልቱን ዝተመርሐ ናይ ሓይሊ ሰብ ምቅይያር እውን እንተኾነ ምስ ብዙሕ ጎደሎታቱ ናይ 2012 ዓ.ም መረፃ ንምክያድ ትካላዊ ዓቕሚ ይሓፅረኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይቀረበን።

ከምቲ ንቡር በቢሓሙሽተ ዓመቱ ዝግበር መረፃ ናይ መረፃ ጎስጓስን ምንቅስቓስን ዝጅመር ድማ ዳርጋ ሽዱሽተ ወርሒ ቅድሚ መረፃ ምእኻሉ ኣቢሉ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ ዘለናሉ እዋን እቲ መረፃ ትሕቲ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ይተርፎ ምህላው ግልፂ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ በቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ወገናት ዝለዓል ምኽንያት "ኣብዚ ሃገር ሰፊሕ ናይ ፀጥታ ፀገም ኣሎ ዝብል እዩ። ናይዚ ምኽንያት እዚ ወድዓውነት ዋላ ‘ኳ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኹን፣ ብፍላይ ብወገን መራሒ እቲ ጉጅለን መጋበርያታቱን ኣብዛ ሃገር ዝኾነ ይኹን ናይ ህዝቢ ምፍንቓልን ናይ ፀጥታ ፀገምን ኣሎ ኢልካ ንምቕባል ዘሎ ዕጥይጥይ ኣዚዩ ዝገርም እዩ። ዋላ ተገዲዶም ፀገም ምህላው ኣብ ዝኣምንሉ እዋን እቲ ፀገም ግዚያዊ እምበር መሓውራዊ ከምዘይኮነ ብዘይሕንከት ዝምሕሉን ዝኽሕዱን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ እቲ ዋና ቁምነገር እቲ ሕዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም ኢህወዴግ ከም ፓርቲ ብሓባር ዝሰርሐሉ መስርሕ በቲ ናይቲ ጉጅለ ሽርሒ ብምፍራሱ ዝተፈጠረ ምኽንያት ምዃኑ እዩ። ካብ ቀደሙ እውን እንተኾነ ብዕግርግርን ብህውከትን ናብ ስልጣን ዝደየበ ሓይሊ ብምዃኑ ስልጣኑ ከናውሕ ዘኽእሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኢደ ኣእታውነት ኣብ ክልላት እናካየደ እውን ዘሳወሮ ሓዊ ምዃኑ ይፍለጥ። ብሓፂሩ እቲ ሕዚ ብዘይካ ትግራይ ኣብ መላእ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ከምቲ ኣሜሪካውያን ዝብልዎ (Creative or generated crisis) ማለት እውን ኮነ ተባሂሉ ዝተምሃዘን ዝተፈጠረን እዩ። ሕዚ እውን እንተኾነ ህዝቢ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ናብ ንቡር ክምለስ ድልየት ኣለዎ እዩ። ሕዚ እውን እንተኾነ ምስ ኩሉ ገበናቶም መራሕቲ እቲ ጉጅለ ናብ ናይ ኢህወዴግ መስርሕ ኣይምለሱን እምበር ንምምላስ እንተወሲኖም ምስ ናይ ህዝቢ መላእ ተሳትፎ ኩነታት ዋላ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተኾነ ናብ ንቡር ዘይምለሰሉ ምኽንያት የብሉን።

እቲ ጉዳይ ናይቲ ጉጅለ ድልየት ቀፃሊ ዕግርግር 'ዶ ሰላምን ምርግጋዕን ዝብል እዩ ክኸውን። ስለዚ ስእነት ፀጥታ ከም ምኽንያት ምቕራብ ተቐባልነት የብሉን። ዓለም ኣንዳዕዲዑ ከም ዝፈልጦ ከምኒ ናይጀርያ፣ ህንዲ፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ከም እኒ ኣፍጋኒስታን ዝበላ ሃገራት ኣብ ዝገደደ ኩነታት ኾይነን መረፃ ኣካይደን፣ ናይ ምዕራባውያን ናእዳ እውን ረኺበን እየን።ከም ዝፍለጥ መረፃ ኣብ ዝተዳኸመ ናይ ፀጥታ ኩነታት እውን ኮይንካ ክትግብሮ ከምእትኽእል ናይ ግድን ናብ ናይጀርያን ህንድን ከምኡ ድማ ኣፍጋኒስታን ምቁማት ከየድልየና ኣብ 1992 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ዝተገበረ መረፃ ከም ኣብነት ምውሳድ ይክኣል እዩ። ሽዑ እቲ መረፃ ኣብ ዝተትሓዘሉ ሰሌዳ ግዜ ክፍፀም ስለ ዝነበሮ እንትካየድ ኢትዮዽያ ምስ ኤርትራ ኣብ ፅዑቕ ኵናት እያ ነይራ። ሽዑ እቲ ዝነበረ ናይ ሃገር ኩነታት ኣዝዩ ኣፀጋሚ፤ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ኢህወዴግ እውን እንተኾነ ብዛዕባ ኣከያይዳን ኩለመዳያዊ ኣተኣላልያ ናይ ሰላም ሕቶን ብዙሕ ዘይበርሀ ነገራት ዝነበረሉ፤ ምልእቲ ሃገር ኣብ ናይ ኩናት ሃልሃልታ ኣቲያ ዳርጋ ኩሉ ነገር ብቕኒት ኩናት ዝምርሐሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ሽዑ ንፃት እውን ሰላም ክንረክብ ዘይፈቅድ ከም ሃገር ከጥፈአና ነዲሩ ምስ ዝመፅአ ፀላኢ እንገጥመሉ ግዘ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ናይ ፀጥታ ፀገም ብዋናነት በቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ድልየት ዝተፈጠረ፣ ወይ ድማ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ብተግባር ዝተመስከረሉ ናይ ኢህወዴግ መስርሕ ምሉእ ብምሉእ ውድቂ ኣብ ዝተገበረሉ ጊዜ እዩ መፂኡ። ስለዚ ነዚ ፀገም እዚ ከም ፍፁም ዘይስገር ገይርካ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ምጥሓስ ሓደገኛ እዩ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብታ ሃገር ዘስዕቦ ቅልውላው ናይ ህልውና (Existential) ጉዳይ ምዃኑ ብግልፂ ክንርዳእ ይግባእ።

ካሊእ ምስ እዙይ ክትሓሓዝ ዝኽእል ጉዳይ ሽሕ'ኳ ፀገም ፀጥታ ብብርኪ ሃገር ዘይተረጋገፀ እንተኾነ መረፃ ካብ ቖፀራ ህዝቢ ዝፈልዮ ነገር እንተልዩ ናይ ግድን ብሓደ ጊዜ ክኸውን ዘይግባእ (incremental) ምዃኑ እዩ። ናይ ህዝቢ ቖፀራ ኣብ ምልእቲ ሃገር ኣብ ሓንቲ ወቕቲ ምግባር ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ምስ ምዝገባ መረፅቲ ‘ሓደ መረፃ ዘመን' ዘራኸቦ ዋላ ሓደ ነገር ስለዘይብሉ ከከም ናይ ፀጥታ ኩነታቱ ብቕደም ስዓብ ክግበር ዝኽእለሉ ዕድል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣሎ እዩ። ናይ ሓይልታት ፀጥታ ኣዋፋፍራ ብዝተወደበ መንገዲ ብምምራሕ ብቕደም ሰዓብ ብዝስራሕ ተኸታታሊ (Stagered) ሰሌዳ ግዜ ክግበር ከምዝኽእል ብዙሕ ኣብነታት ምቕራብ ይካኣል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን መረፃ ናይ ምንዋሕ ድልየት ናይ ሕድሕድ ተዋሳኢ ናይ ውሽጢ ባህጊ ብዘየገድስ እቲ ቐንዲ ትኹረቱ ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ብዘይኣግባብ ምምሕያሽ፣ እንተተኻኢሉ ግን መሊእኻ ናይ ምፍራስ እሞ ሓዱሽ ፀረ ህዝቢ፣ ፀረ ስርዓትን ፀረ ሰላምን ዝኾነ ንብዙሃን ዘግለለ ናይ ሊሂቃን እንካ ሃባ (Exclusive elite bargain) ንምምፃእ ዝዓለመ እዩ። ዋላ ‘ኳ ኣብ ገለገለ ወገናት ሕገ-መንግስታዊ ዓንቀፃት ዘይልወጡ ዘይመሓየሹ ኣብ ብረት ዝተፅሓፉ ቃል ኪዳን ገይርካ ናይ ምውሳድ ዝንባለ ይሃሉ እቲ ዋና ትኹረትና ኣብተን መሰረታዊ ናይ ፌደራል ስርዓትና ዓንድታት ዝብሃላ ዓንቀፃት ጌርና ኣበርቲዕና ክንሟገት ኣለና። ብወገን ህወሓት ሕገ-መንግስቲ ከም ናይ ቃል ኪዳን ሰነድ ብሕገ-መንግስታዊ መንገዲ ጥራሕ ክመሓየሽ ከምዝኽእልን ከምዝግባእን ዝተገንዘበ ኣከያይዳ ክህልወና ይግባእ።

ብወገን መራሒ እቲ ጉጅለን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግን ዘለው መጋበርያታቱን ናይ ኢህወዴግ ቤት ምኽሪ ይኹን ፓርላማ ኢትዮዽያ ተጠቒምካ መረፃ ናይ ምንዋሕ ይኹን ገለ ገለ ናይቲ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፃት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ክስራሕ ከምዝኽእል ኣየጠራጥርን። እዚ ንምግባር ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ኣሰራርሓ (ፕሬዝደንት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ መረፃ ፀዊዑ መንግስቲ ካብ ዝብትነሉ መስርሕ ወፃኢ) ከምዘየለ ፈሊጥና ኣንፃር ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ተሪርና ክንቃለስ ይግባእ። ናይ'ዚ ኣካይዳ ሓደጋ ኩሎም ብፌደራል ስርዓትን ብሕገ መንግስትን ዝኣምኑ ወገናት ንክርድእዎ ብዘኽእል መንገዲ ሰፊሕ ናይ ሚድያ ወፍሪ ክንገብር ይግባእ። ዘይሩ ዘይሩ ናይቲ መራሒ ጉጅለ ድልየት እንተተኻኢሉ ናይ ሰራዊት ዓቕሚ እውን ተጠቒሙ ውልቀ መላኺ ዝኾነሉን ናይ ስግግር ዝመስል ስርዓት ምፍጣርን እዩ። ናይ በዓል ኢዜማን ተረፍ መረፍ ደርግን ድልየት እውን ከምኡ ኮይኑ ብዋናነት ነቲ መራሒ ብናእዳ ልቡ ኣጥፊእኻን ስርዓት ከፍርስ ጌርካን ካብ ማሕበራውን ብሄራዊን መሰረቱ ነፂልካ ወይ "ኣሸንጉሊት" ገይርካ ከምቲ ሌኒን ዝብሎ "useful idiot" ገይርካ ክትሰርሖ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ሕጊ ኣብ ዝፈርሰሉ፣ ስልጣን ካብ ሕገ-መንግስቲ ወፃኢ ኣብ ዝተትሓዘሉ ዓዲ ሓዱሽ ናይ ፖለቲካ ዕዳጋ (political marketplace) ስለዝፍጠር ንህዝቢ ዘግለለ ናይ ልሂቃን ድርድር (Exclusive Elite bargain) ምግባር ካብ ምዃን ዓዲ ኣይውዕልን።

ከይዱ ከይዱ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ይትረፍ‘ዶ ስልጣን ሒዙ ቁም ነገር ዝሰርሕ ውልቀ መላኺ (benevolent despot) ክፍጠር ከም ናይ ኣርማጌዲዮናዊ ምጥፍፋእ ጅማሮ (Prelude) ጥራሕ እዩ ክርአ ዝኽእል።ንጊዚኡ ብፍርሒ ይኹን ብድሕረት ምስ ናይ እቲ ጉጅለ መዕነዊ መንገዲ ዝኸዱ ወገናት እውን ከይተረፈ ሓደ ውልቀ ሰብ ስልጣን ጠቕሊሉ ውልቀ መላኺ ዝኾነሉ ዕድል ሙሉእ ብሙሉእ ዘይ ክወሓጠሎም ስለ ዝኽእል በዚ መዳይ እዚ ክህሉ ዝኽእል ዕድል ፀንቂቕካ ምጥቃም የድሊ። ብፍላይ ድማ "ግዜና መፂኡ" "ወዲ ላሕምና እዩ" ዝዓይነቱ ድሑር እምነት ሒዞም ዋላ ኣብ ፌደራል ስርዓት ምስ ዝህልዎም መርገፂ ዝፃባእ ውሳነ ክውስኑ ዝኽእሉ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ይኹን ኣብ ደገ ምስ ዘለው ሓይልታት ነቲ ሓደጋ ኣብ ዝምልከት ብግልፂ ምዝርራብ ከድልየና እዩ።ነዚ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን መንገዲ ክነወግዶ እንተኾይንና መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝተትሓዘሉ ሰሌዳ ግዘ ጥራሕ ዝግበረሉ ኩነታት ንክፍጠር ተሪርካ ምቅላስ እዩ። እቲ መረፃ ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ እንተዘይተገይሩ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ስለዘይህሉ ነቲ ጉጅለ ሓዊስካ ኩሉ ናይ ስልጣን ባህጊ ዘለዎ መድሐርሓራይ ናይ ሃገርን ህዝብን ሰላም ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ኣብ ዘእቱ ዕግርግርን ህውከትን ምእታዉ ኣይተርፍን። ቀደሙ እውን እንተኾነ ሕገ-መንግስትናን ፌደራል ስርዓትናን ንምፍራስ ሂርዲግ ዝብሉ ዝነበሩ ሓይልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዓዲ ወይ ሃገር ዘፍርስሉ ዕድል ክፍጠረሎም እዩ።

ስለዚ ብወገን ህወሓት ኾነ ካልኦት ፌደራላውን ሕገ-መንግስታውን ሓይልታት ብወገን እቲ ጉጅለ ዝግበር መረፃ ናይ ምንዋሕ ምንቅስቓስ ተሪሮም ክነፅግዎ ይግባእ።

4. መረፃ 2012 ዓ.ምን ህዝቢ ትግራይን

ከምቲ ልዕል ኢልና እናራኣናዮ ዝመፃእና ጉዳይ መረፃ 2012 ዓ.ም ንቀፃሊ ህልውና ሃገርና ዝህልዎ ትርጉም ከም ሓደ ተራ ሰሌዳ ግዘ ናይ ምምላእን ዘይምምላእን ተገይሩ ክውሰድ ዝግበኦ ከም ዘይኮነ ንፃት እውን ክዝንጋዕ የብሉን። የግዳስ ንሃገርና ብሓፈሻ ንትግራይና ድማ ብፍላይ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ። እዚ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ዝከኣሎ ኩሉ ሽርሕታት ተጠቒሙ መረፃ ዘናውሐሉ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ ኣገባብ ዘየለ ምዃኑ ሓደ ነገር ኮይኑ ከም ውድብን ከም መንግስትን እዚ መረፃ እዙይ ክግበር ከም ዘለዎን ከም ዝግበርን ኣብ ግምት ዘእተው ስራሕቲ ክነሳልጥ ይግባእ። ቅድም ቀዳድም ኣብ ክልልና ምስ ዝንቀሳቐሱ ውድባትን ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብዛዕባ ኣገዳስነትን ትርጉምን እቲ መረፃ ናይ ሓባር ምርድዳእ ኣብ ዝፈጥሩ ጉዳያትን መድረኻትን ምስልሳል ኣገዳሲ እዩ ክኸውን። በዚ መዳይ እዚ ውድብና ህወሓት ዘነፀሮን ዋና ናይ ኩሉ መዳያዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ፀጥታውን ስራሕትና ማእኸል ስሕበት ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ብዝግባእ ኣብ መላእ ኣባልና፣ ህዝብናን ኣብ ረብሓ ትግራይ ምሳና ሓቢሮም ክሰርሑ ምስ ዝኽእሉ ሓይልታትን ውዳበታትን ሓበራዊ ምርድዳእ ክህሉ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ይግባእ። እንስርሖም ኩሎም ስራሕቲ መኸተ ማእኸል ዝገበሩ፣ ፀላእቲ ዝፍሕስዎ ሽርሒታት ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ዘብፅሑ፣ ኣብ ዙርያ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምሳና ክሰርሑ ዝደልዩ ሓይልታትን ፈተውትን ብዘበራኽት ወይ ዘተኣኻኽብ መንገዲ ክንሰርሕ ይግባእ።

ብደረጃ ሃገር እውን እንተኾነ ኣብ ኣድላይነት መረፃ ኾነ ኣብ ምድሓን ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ስርዓት ተመሳሳሊ እምነት ምስ ዘለዎም ሓይልታት ዝጀመርናዮም ርክባት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና። ስለዚ ቀንዲ ትኹረት ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስና ኣብ ትግራይ ገይርና ኣብ ቅድመ መረፃ፣ ኣብ እዋን መረፃ ከምኡ እውን ኣብ ድህረ መረፃ ክፍጠር ዝኽእል ኩነታት ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ክህልዎ ምስ ዝኽእል ፅልዋ እናገናዘብና ብዝተዋደደ መንገዲ ክንሰርሕ ይግባእ።

ነዚኦም ኩሎም ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕቲ ኣብ እንሰርሐሉ እዋን ክንፍፅሞም ዝግብኡ ዝርዝር ተግባራት በቢጊዚኡ ምስ ዝምዕብል ኩነታት እናተፈተሸ ዝኸደሉ ዕድል ከምዘሎ ኾይኑ እንታይ ይገበር? ኣብ ዝብል ቴማ ዝተወሰኑ ዝርዝር ተግባራት ኣልዒልና ፅሑፍና ክነጠቓልል።

5. እንታይ ይገበር?

ዋና ትኹረትና ናይ መረፃ ምንዋሕ ኣጀንዳ ልዕሊ ኹሉ ስርዓት ፌዴራሊዝም ሙሉእ ብሙሉእ ኣፍሪስካ ብሓደ ውልቀ ሰብ ዝምራሕ ውልቀ መላኺ ስርዓት ናይ ምትካል ድልየት ምዃኑ ኩሉ ክርዳእን ነዚ ዝሽከም ዝኾነ ይኹን ባይታ ከም ዘየለ ነዚ ክርዳእ ብዘኽእል መንገዲ ኩለ መዳያዊ፣ ፖለቲካውን ናይ ሚድያ ስራሕትን ምክያድ።ናይቲ ጉጅለ መራሒ ድልየት እንተተኻኢሉ ፍፁም ውልቀ መላኽነት ዝተረጋገፀሉ ኣሃዳዊ ስርዓት ምትካል ምዃኑ ንፃት እውን ክንጠራጠር ኣይግባእን። ስለዚ ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ትንተናታትን ምይይጣትን ብሚድያን ከምኡ ድማ ካልኦት ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምጥቃም ዝተደናገሩ ግን ድማ ኣብ ፌዴራላዊ ስርዓት እምነት ዘለዎም ሓይልታት ካብ ድቃሶም ዝበራበሩሉ ወፍሪ ምግባር ግድን ይኸውን።

ኣብተን ዝተረፋ ቁሩባት ኣዋርሕ ኣብ ዝህልዉ ናይ ኢህወዴግ መድረኻት ኩሎም ውድባት እዚ ኣከያይዳ እዚ ንውልቀ ሰብ ናብ ስልጣን ከድይብስ ይትረፍ ንሃገርና ናብ ህልም ዝበለ ምብትታን ዘብፅሕ ኣከያይዳ ምዃኑ ንምርኣይ ብዘኽእል መንገዲ ተሪርካ ምቅላስ።

ስልጣን ኣጥቢቕካ ንምሓዝ መራሒ እቲ ጉጅለ ከም ሓደ መሳርሒ ክጥቀመሎም ዝደልዮም ናይ መከላኸልን ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ሓይልታት መራሒ እቲ ጉጅለ በቢጊዚኡ ብዝወስዶም ሓላፍነት ዝጎደሎም ስጉምትታት ዳርጋ ኣብ ኩለን ኩርናዓት ሃገር ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ተፀሚዶም ምህላዎም ግልፂ እዩ። ይትረፍ ‘ዶ ናይ ውልቀ መላኺ ዱልዱል ናይ ስልጣን መሰረት ክኾኑ ከም ትካል ናይ ምቕፃሎም ጉዳይ እውን ናብ ሕቶ ይኣቱ ምህላው ኩሎም ወገናት ክግንዘቡ ዘኽእል ስራሕቲ ክንሰርሕ ይግባእ። ከምቲ ሕዚ ትምክሕተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየሹዎን "የባለ ኣደራ ምክር ቤት" ብዝብል ዝዕንድርሉን ኣካይዳ ድሕሪ"ዘይ ሕገ-መንግስታዊ" ምንዋሕ መረፃ ዳርጋ ኣብታ ሃገር ብምልእታ ናይ"ባለ ኣደራ ምክር ቤት" ብዝብል ካብቲ ሐዚ እንርእዮ ዘለና ዕግርግርን ስርዓት ኣልቦነትን ዝገደደ ቅልውላው ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ ምርኣይ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ምውጋን።

መራሒ እቲ ጉጅለ ዝተወደቡ ፅንፈኛ ሓይልታት ብዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝገጥሞ ዘሎ ፈተና ሓደ ነገር ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፅንፈኛታት ውልቀ ሰባት ዝመርሕዎ ናይ ዕሉላት ትምክሕተኛታት "ባለ ኣደራ ምክር ቤት" ዝፈጠረሉ ስግኣት ብዝምልከት ዝተሰምዖ ሕርቃን ገሊፁ እዩ። ጉጅለታት ትምክሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመሩዎ ናይ ሕብራዊ ወያነ ምንቅስቓስ ሓደ መግለፂ ዝኾነ ኣማራፂ ምምሕዳር ናይ ምጥያሽ ወፍሪ (ከምቲ ኣብ ቬኔዝዋላ፣ ኣብ ሜክሲኮ ዝተርኣየ) መረፃ ምስ ዝናዋሕ ክንደየናይ ኣብ ሃገርና ተወሳኺ ናይ ዘይ ምርግጋዕ ምኽንያት ከም ዝኸውን ንምግማቱ ኣየፀግምን። ህወሓት ይኹን ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ዝፈርሰሉ ብሕጋዊ ጉልባብ እውን እንተኾነ ክግበር ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ናይ ትምክሕቲ ሽርሒ ከምዘይቕበሉን ብዝከኣሎም ኩሉ ከምዝምክትዎን ብግልፂ ኣቐሚጥካን ህዝብን ተመሳሰሊ እምነት ዘለዎም ሓይልታትን እውን ኣብ ዙርያ እቲ ዕላማ ኣሰሊፍካን ምንቅስቓስ ግድን ይኸውን። በዚ መዳይ እዚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኩለን ሕጋውን ሰላማውን መማረፅታት ፀንቂቖም ምጥቃምን ናይ ፓርላማ ይኹን ካልኦት ዲሞክራሲያዊ ትካላት መድረኻት ውሕሉል ብዝኾነ መንገዲ ከም መቃለሲ ምጥቃምን ይግባእ። ድሕንነት ህዝብናን ኣንፃራዊ ዓውደ ነፃነት ትግራይን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ዝጀመርናዮም ኩለ መደያዊ ስራሕትና ብምጥንኻር ዝኾነ ይኹን ፀቕጢ ብሓይሊ እውን እንተኾነ ንምምካት ድልዋት ምዃንና ፀላእን ፈታውን ኣንዳዕዲዑ ክርድኦ ብምግባር ኣብ ገራዊ ናይ ፖለቲካ ጠላዕ ዘለና ናይ ምውጋእ ወይ ምቅላስ ዓቕሚ ብተዓፃፃፊ ክዓቢ ክንገብር ኣለና።

ብፍላይ ናይ ልምዓት ስራሕትና ብኣንፃራዊ ናፃነት ንምስላጥን ህዝብና ኩለ መዳያዊ ድሕንነት፣ ውሕስነት፣ ተጠቃምነት ንክህልዎ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ኣጠናኺርና ብምቕፃል ትግራይ ናይ ምርግጋዕን ሰላምን ኣብነት ዝኾነትን ዝተማልአ መንግስታዊ ቁመና (defacto status) ዘለዋን ኾይና እትቅፅለሉ ኩነታት ክንፈጥር ይግባእ።ብወገን ህወሓት ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ዘይከድናሎም ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕትና ኣጠናኺርና ብምቕፃል ምዕራባውያን ኮነ ካልኦት ናይ ኢትዮጵያ ኣንፃራዊ ምርግጋዕ ዘገድሶም ወገናት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪካ ክህልዎ ዝኽእል ዘሰክፍ ውፅኢት ብዘየማትእ ክርድእዎ ዘግብር ስራሕቲ ምውጋን ይሓትት።
መሰረታዊ መትከላትን ዓንቀፃትን እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ መንነት (ኣብ ቋንቋ ዝተመስረተ ፌደራሊዝም፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ፣ ዋንነት መሬት ወዘተ) ዘኽበረ፣ ኣብ ክሊ እቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክግበር ንዝኽእል ንኩሉ ዘካተተን ንህዝብታት ዘየግለለ እንካ ሃባ (Inclusive Bargain) ንምግባር ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ምድላው ምግባር እውን ካብ ብጋንኡ ክስርሐሉ ይግባእ።

መረፃ ኣብ ሰዓቱ ዘይካየድ እንተኾይኑ ኢንቨስትመንት ሓዊስካ ኩለ መዳያዊ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእን ናብ ፍፁም ቅልውላውን ዝኣትወሉ ዕድል ድሮ ይፍጠር ብምህላው ከም ሃገር ናይ ተስፋን ባህጊን ምንጪ ክኾኑ ዝኽእሉ ምዕባለታት መሊኦም ከምዝጠፍኡ ዋላ ሓደ ዘጠራጥር ነገር የብሉን። በዚ መንፅር እዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋዕን ፅኑዕ ድልየት ዘለዎም ኢንቨስተራት፣ ሃገራትን ትካላትን ነዚ ጉዳይ እዚ ኣፀቢቖም ንኽፈልጥዎን ክቃለሱዎን ዝተዋደደ ስራሕ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ክኸውን።

ኣብ መወዳእታ፣ መረፃ እንተተናዊሑ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ሕጋዊ ቕቡልነት ቅልውላው (Legitimacy crisis) ኣሳታፊ ብዝኾነ ናይ መላእ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ድሕንነትን ሃለዋትን ህዝቢ ትግራይን ፅኑዕ መርገፂ ምስ ዘለዎም ናይ ክልልና ውድባት ብምዃን ብኽልል ደረጃ ሕጋዊ መረፃ ምግባር ሓዊስካ ካብ ብሃገር ብርኪ ክልዓል ዝኽእል ቅልውላው ብኣንፃራውነት ናፃ ዝኾነትን ዝተማልአ መንግስታዊ ትካላት (Institutions) ዝሃነፀትን ብኣንፃራውነት ዓርሳ ዝኽኣለት ክልል (Defacto state) ክትከውን ዘኽእል ስራሕቲ ምስላጥ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ብውድብን ብመንግስትን ምስ ምሁራትን ተመራመርትን ተጋሩ ብምዃን ዝተጀመሩ መፅናዕትታት ቀልጢፎም ናብ ተግባር ዝውዕልሉ ኩነታት ምምችቻው የድሊ።

መፅሄት ንድፈ ሓሳብ ህወሓት፣ ሕዳር 2012 ዓ/ም
ፍልፍል - tplf official