ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ን ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቅ ኣልመዳን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ 100 ፅጉማት ኣረጋውያን ስድራ ገድሊ ልዕሊ 91 ሽሕ ብር ዝግመት ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ፅንብል በዓል 11 ለካቲት 2012 ዓ/ም ሓገዝ ተገይርሎም ።

ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ን ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቅ ኣልመዳን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ 100 ፅጉማት ኣረጋውያን ስድራ ገድሊ ልዕሊ 91 ሽሕ ብር ዝግመት ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ፅንብል በዓል 11 ለካቲት 2012 ዓ/ም ሓገዝ ተገይርሎም።

መቐለ 6 ለካቲ 2012 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ)

እዚ ሓገዝ ስድራ ገድሊ መስመርና ኣፅኒዕና ንዝለዓለ መኸተ ብዝብል መሪሕ ቴማ ኣብ ዝኽበረሉ ፅንብል በዓል 11 ለካቲት 2012 ዓ/ም መበል 45 ዓመት ልደት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ዓድዋ ካብ ዝርከቡ 212 ጠቕላላ ስድራ ገድሊ ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት ሓገዝ ዝተገበረሎም 80 ደቂ አንስትዮ ዝርከብኦም 100 ፅጉማት ኣረጋያን ስድራ ገድሊ ንሕድሕድ ተሓጋዚ ብር 400ን ሓደ ሙሉእ ኣንሰላን ብሽም እቲ በዓል ሓገዝ ተገይርሎም ።

እዚ ሓገዝ ስድራ ገድሊ 40000 ብር ብጥረ ገንዘብ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ፣ናይ 51700 ብር ዝወድኡ ኣንሶላታት ድማ ካብ ፋብሪካ ጨርቃ ጨርቅ አልመዳ ዝተረኸበ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣብቲ ዕለት ተሓቢሩ ።

ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ምክትል ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ሙሉጌታ ገብሩ ከምዝበልዎ ፣ኣብዛ ዕለት እዘኣ ኮይንና ምስ ስድራ ገድሊ ብሓበራ ነዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ብዝለዓለ ፅንብል በዓል 11 ለካቲት መበል 45 ዓመት ብሓባር እንትነኽብር፣ብሳላ ጀጋኑ ደቕኹም ዝተረኸበ ውሕስ ሰላም ከንቱ ኣይተረፈን ፣ ንብዙሓት ዜጋታት ሃገርና ዝጠቐመን ተወዳዳሪ ዘየብሉ ፍትሓዊ ስርዓት ዲሞክራሲ ብምትካሎም ልዕሊ ኹሉ ስድራ ስውኣት ደስ ክብለኩም ይግባእ ፣ ጀጋኑ ደቕኹም ኣይሞቱን ፣ብሂወቶም ኣለው እዮም ድሕሪ ምባል እቲ ሓገዝ ንስድራ ገድሊ ቀፃሊ ከምዝኾነ ገሊፆም ።

ኣብቲ ዕለት ካብ ዝተረኸቡ ተሓገዝቲ ስድራ ስውኣት ፣ግደይ ትርፉ፣ኣይተ አለሙ በርሀን ወይዘሮ መዲና መሓመድን ብወገኖም ፣ ንዝተገበረሎም ሓገዝ ካብ ልቢ ድሕሪ ምምስጋን፣ጀጋኑ ደቆም ተቓሊሶም ዘረከብዎም ስርዓት ኣፅኒዖም ብምሓዝ ነዚ ስርዓት እዚ ዝቃወም ዝኾነይኹን ፅንፈኛ ሓይሊ ብፅንዓት ከምዝቃለስዎ ሓቢሮም ።

ፍልፍል ፡ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ