ሽፋን ዝናብ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሽፋን ማይ ኣብ ዞባታት ምዕራብ፣ ሰሜን ምራብን ማእኸል ዘሐሸ ኮይኑ ኣብ ምብራቅ፣ ደቡብ ምብራቅን ደቡብን ዝተቖራረፀ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

መቐለ 02 ነሓሰ 2011 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ)

ኩሉ ሓረስታይ ብዝረኽቦ ዘሎ በዝሕን ሕፅረት ማይን ከይተዘናገዐን ተስፋ ከይቆረፀን ዝነጠበት ማይ ብኣግባቡ ብምጥቃምን ብምዕቃብ ካብቲ ከጋጥምዝኽእል ድርቅ ምክልኻል ክገብር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ከም መግለፂ ዳሪክቶሬት ዳሪክተር ቅድመ መጠንቀቅታን ህፁፅ ግብረ መልስን ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ትግራይ ኩነታት ዝናብ ትግራይ እንትረአ ኣብ ዞባ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብን ማእኸልን ብኣብዝሓ ዝሐሸ እንትኸውን ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቅ፣ ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ብኣብዝሓ ምቁርራፅን እኹል ዘይኮነ ሽፋን ማይ እንትህልው፣ ቁፅረን ዘይንዓቃ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ድማ ፈፂመን ዝናብ ከምዘይረኸባ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ዝዓበየ ክፋል ራያ ኣላማጣ፣ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ራያ ዓዘቦ፣ ከባቢ 7 ጣብያታት ሕንጣሎወጀራት፣ ዉሱን ክፋል እንደርታ፣ ወረዳኣፅቢ ወንበርታ፣ ኢሮብ ካልኦት ወረዳታትን ክሳብ 29 ሓምለ/2011ዓ/ም ፈፂመን ዝናብ ከምዘይረኸባ ኣይተ ገ/እግዚኣብሄር ኣፍሊጦም፡፡

ነዚ ሕፅረት ማይ ዘጋድዱ ናይ ባልዕ፣ ዕስለ ኣንበጣን ባርኖስን ኣብ 14 ወረዳታት ተራእዩ ከምዝነበረን ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ብምሃብ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ክምዝተኸኣልን ሐዚ ዉን ውራ ባርኖስ ክመፅእ ከምዝኽእል ስግኣት ከምዘሎን ነዚ ኩሉ ብንቅሓት ክከታተል ኣይተ ገ/እግዚአብሄር ገሊፆም፡፡

ብዳዊት መኮነን