ዓለምና እንተትፈልጠኪ! እንታይኮን ምሸለመትኪ!!??

ዓለምና እንተትፈልጠኪ! እንታይኮን ምሸለመትኪ!!??

 

ትግራይ መበቆል ስልጣነ

 

ዓለምለኸ መዓልቲ ሙዝየም

 

መቐለ 10 ጉንበት 2012  ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

 



ቅድሚ ኹሉ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ  በብዓመቱ 10 ጉንበት ብደረጃ ዓለም ንዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ሙዝየም እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም! ኣብፀሐና! ዝብል መልእኽቲ እንተመሓላልፍ ሓበን ይስምዖ፡፡


ሎሚ ዓመት "ንማዕርነት፣ ንብዙሕነትን ሓቛፋይነትን" ብዝብል መሪሕ ቃል፣ ብደረጃ ዓለም ንመበል 43 ጊዜ ብደረጃ ክልልና ድማ ንመበል 12 ጊዜ ኣብ ንዝክሮ ዕለት ማዕኸን ሙዝየም ዝኾነት ትግራይና ተረባሒት ሃፍተ-ገነትና ንክትከውን ኩላትና መድረግቲ ኣካላት ዓቕምና ጠሚርና ከም እንረባረብ ብምትእማምን እዩ፡፡


ናይ ትግራይና መልክኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ መብዛሕትኡ ጎቦታት፣ ሓጓፋትን ሰጣሕ መሬትን ዝበዝሖ እዩ፡፡ ኩነታት ፀባይ ኣየር ትግራይ ድማ ደጉዓን ሓውሲ ደጉዓን  52 ሚኢታዊ  ቆላ 48 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ሊቃዉንቲ እቲ ዘፈር ይገልፁ፡፡


ትግራይና ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶም ብዙሓት ጎቦታት እምባታት ሽንጡሮታትን ኣኽራናትን ኣለውዋ፡፡ እዞም ኣብ ውሽጦም ተዛሪብካን ፅሒፍካን ዘይውዳእ ታሪኽ ዘለዎም ፀጋታት  ብግቡእ ተፀኒዖም ኣብ ጥቕሚ ዘይዋዓሉ ማኣድናትን ካሊእ ሃፍተ-ገነት ከምዘለዎም ተመራመርቲ ስነ-ኳዕቲን /ኣርኪዮሎጂስትስ/ ምሁራት ስነ-ምድሪን ብድማር ተመራመርቲ ተፈጥሮ ደጊሞም  ኣፍሊጦም እዮም፡፡

 ነዚ ሓቂ እዙይ ንምግላፅ እዩ እምብኣር ስነ-ጥበባዊ ነብስሄር ኪሮስ ኣለማዬህ "ትግራይ ዓደይ ዓዲ ወርቂ ኮሪዐልኪ" ብምባል፣ በቲ ጥዑም ላዝኡ ወለዶታት ዝቀባበልዎ ዘይሃስስ ሙዚቃ ገዲፉልና ዝሓለፈ፡፡


ብሓፂሩ ትግራይና ማዕኸን ስልጣነን ሙዝየም ዘይሃስስ ታሪኽን እያ፡፡ ኣብ ከርሳ ኣብ ካሊእ ዓለም ዘይርከቡ ተፈጥሮኣዊ፣ ታሪካውን ባህላውን ሕላገታት፣ ሓድግታትን ቅርስታትን ዝወነነት እያ፡፡ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሪኢኻ ዘይምነዉ ጎቦታት ገርዓልታ ግርማ ሞጎሶም ብሩሑቕ ዘስደምም ንወረዳ ኢሮብ ኮቢቦም ዘማዕረጉዋ ዓሲምባን ካልኦትን ጎቦታትን፣ ዋዕላ /ኮንፈረንስ/ ኣብ ምክያድ ዝርከቡ /Mountains in a conference/ ብዝብል ዝፅውዑ ጎቦታት ዓድዋ፣ ብንውሓቱ ተጠቃሳይ ዝኾነ ጎቦ ፅበት፣ ብኣግራባት ዝማዕረጉ ከም በዓል ዴስኣ፣ ሕጉምብርዳ፣ ግራካሕሱ፣ ብሓፂሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይና ዝርከቡ ሓምለዋይ ዝለበሱ እምባታት፣ ኣብ ውሽጡ 37 ዓይነት ናይ ተፈጥሮ ኣእዋም፣ ዝተፈላለየ ዘርኢ ዘለዎም 163 ዓይነት ኣዕዋፍ፣ ሓርማዝ ሓዊስካ 42 ዓይነት መጥበውቲ እንስሳታት ዘለዎ ብሄራዊ ፓርክ ቓፍታ፣ ቃላይ ሓሸንገ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ቱፍሻ ዝበሃል መንጫዕጫዕታ ወዘተ ዝኣመሰሉ ፀጋታት ዝተዓደለት ማዕኸን ሙዝየም ትግራይ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢ ቱሪስታት ተመላሊሶም ዋላ እንተበፅሑዎም ከምዘይመንውዎም ኣብ ዓውዲ ዘፈር ቱሪዝም ዝተዋፈሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምስክርነት ሂቦም እዮም፡፡


ትግራይ ካብ ስልጣነ ድኣማት፣ ይሓን ኣክሱምን ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብውሱን መልክዑ ተዃዒቶም ዝተረኸቡን ብዘይኳዕቲ ብደዎም ቕያን ውፅኢት ስነ-ጥበብን ኢደ-ጥበብን ቐዳምነት ወለድና ዘዝንትዉ ሓወልቲታት ፣ መካነ መቓብራት፣ ኣብያተ መንግስታት፣ ቤተ መቕደሳት፣ መሳጊድ፣ ብኢድ ዝተፅሓፉ ዝተፈላለዩ ብራና መፃሕፍቲ፣ ስእልታት ወዘተ፣ ብሓፈሻ ትግራይ ብቐዳሞት ወለድና ጥበብ ስነ-ህንፃን ቅድን ዝተሃነፁ ማለት ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ልዕሊ 120 ኣብያተ ክርስቲያን ፣ ፅላተ ሙሴ ዝርከበላ ቤተ ክርስትያን ማሪያም ፅዮን ኣኽሱም፣ ከምኡ እውን ልዕሊ 7 ሽሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ፣ ቅርስታት ኣብ ሕቑፋ ከምዘለዋ ኣብ ዝተፈላለዩ መዛግብቲ ተገሊፁ እዩ፡፡

ትግራይ ካብ ኣፍሪካ ሃይማኖታት ክርስትናን እስላምን ንፈለማ እዋን ዝተቐበለት እያ፡፡ ብምዃኑ ኣብ ዓለም ከም ካልኣይ  መካ ዝሕሰብ መስጊድ ኣልነጃሺ፣ ሂጅራ ወረባየን ወዘተ ዝኣመሰሉን ካልኦት ታሪኻዊ መስጊዳት ዘለዋ እያ፡፡


ህዝቢ ትግራይ  ታሪኹ፣ ማሕበራዊ ህይወቱ፣ መንነቱ ከምኡ እውን ህዝባዊን ባህላዊን ባዓላት ዘኽብረሉ ስነ-ስርዓት ሃጎስን ሓዘንን፣ ወነ፣ ሕራነን ጅግንነትን ዝገልፀሉ ስነ- ኪነትን ስነ-ጥበብን፣ ስነ ስርዓት ኣመጋግባ እኽለ-ማይ፣ ኣሰራርሓ ጨጉሪ፣ ዓይነት ኣልባሳትን መጋየፅን ወዘተ ዘርኢ፣ ብሓፈሻ ብዙሓት ናቶም ክኸውን ዝሃርፍዎ ኮይኑ ግን ናይ ባዕሉ ጥራሕ ዝኾነ ፍሉይ ዓሚቕን ሰፊሕ ባህልን ክብሪታትን ዘለዎ ዘኹርዕን ዘሕብንን ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ፡፡

 

ትግራይ መበቆል ታሪኽ  መኣዲ ተፈጥሮኣውን ባህለውን ህዝባዊን ሙዝየም እያ፡፡
ኣብ ቀደማይ ሚልኒየም ኣብ ዓለም ብኹለ መደያዊ ስልጣነ  ኣብ ላዕላዋይ ጠርዚ በፂሐን ካብ ዝነበራ ኣርባዕተ ዓበይቲ ስልጣነታት ማለት ካብ ደቡብ ምብራቕ ኤስያ /ቻይና/፣ ካብ ማእኸላይ ምብራቅ ኤስያ ፔርሽያ፣ ካብ ኣውሮፓ ግሪክ፣ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ደቂ ትግራይ ኣኩስማውያን ተጋሩ ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪክ ዓለም ዘዘንተውዎ ሓቂ እዩ፡፡

 

 ብምዃኑ ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱም ቐዳሞት ወለዲ ካብ ኣፍሪካ ብቐዳምነት ካብ ወርቂ፣ብሩርን ነሃስን ዝተሰርሑ ሳናቲም ሰሪሖም ኣብ ውሽጢ ዓድን ምስ ወፃኢ ሃገራትን ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ንግዲ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ምሁራት ታሪክ ፅሒፎም እዮም፡፡

 ትግራይ ቐዳሞት ወለዲ ዝፈጠርዎም ከም ሳባዊ ፊደላት፣ ቋንቋ ግእዝ፣ ከምኡ እውን ማህሌታይ ያሬድ፣ ኣብ ፆም፣ ትንሳኤን፣ ሓዘንን ዝዝየሙ ማለት ብግእዝ (ቐደማይ) እዝልን (ካልኣይ) ኣራራይ፣ (ሳልሳይ)፣ ብሸሞንተ(8) ምልክታት ዜማ ዝተዋደዱ ድርሳናት ዜማ ንዓለምና ኣበርኪታ እያ፡፡


ትግራይ ብሕታዊ ሃፍተ-ገነታ  ዝኾኑ ፊደል፣ ቋንቋን ዜማን ጥራሕ ከይኮነስ ሃገርና ኢትዮጵያ ብትካል ባህሊ፣ ሳይንስን ትምህርትን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ኣፍልጦ ረኺቦም  ካብ ዘመዝገበቶም ቅርስታት ማለት ሓወልቲ ኣኽሱም ሓዊስካ ናይቶም ሰለስተ መበቆል እያ፡፡ ስለዝኾነ ሓወልቲ ኣኽሱም፣ ባዓል መስቀል ወይ ድማ ብብሄረ ሰብ ኢሮብ፣ ብቋንቋ ሳሆ /ሶላ/፣ ባህሊ ኣሸንዳ( ዓይኒ ዋሪን) ዓለማዊ ቅርስታት ስለዝኾኑ ህዝቢ ትግራይ ክሕበን ይግባእ፡፡

 

 ይኹን ዳኣ'ምበር ምስዘለና  ሕላገታት፣ ሓድግታትን ቅርስታትን፣ እዙይ እኹል ኣይኮነን፡፡ ንቅድሚት ሃይማኖታዊ በዓል ጥምቀት፣ መግለፂና ዝኾነ ኣውርስ፣ ሁራ ሰለስተ፣ ጉማየ፡ ማሰ፣ ብሓፈሻ ባህልታትን ማሕበራዊ ስነ-ስርዓታት፣ ኩናማን ኢሮብን፣ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ውፅኢታት፣ ስነ ዃዕቲ፣ ተፈጥሮኣዊን፣ ባህላውን፣ ህዝባውን ሓድግታትናን ቅርስታትና፣ ብዩኔስኮ ኣመዝጊብና ትግራይና ሙዝየም ዓለም ኮይና ከምትፍለጥ ዘጠራጥር ኣይኸውንን፡፡


ኣብዚ ከምቲ "ካብ ውቅያኖስ ብማንካ" ከም ዝበሃል ንመዘኻኸሪ ጥራሕ  ኣብ ላዕሊ ዝገለፅናዮም ፍሉጣት ግና ብጣዕሚ ውሑዳት ቅርስታትና ሕድሕድና ንፈልጦም ዲና? ፈሊጥናኸ ሓዱሽ ወለዶን ዓለምናን ንክፈልጦዎም ኸ እንታይ ገይርናን ንገብር ኣለናን ዝብል ጉዳይ እዩ ከገድሰና ዝግባእ፡፡


ትግራይና እዚ ኹሉ ሃፍተ-ገነት " ትኪ ኣልቦ" ሒዛ ሰኣን ዘይምምላእ መሰረተ ልምዓት፣ ግቡእ ኣመራርሓ ዘይምሃብን፣ ድኹም ስራሕቲ ምፍላጥ ፕሮሞሽንን፣ በብዓመቱ ካብ ዘፈር ቱሪዝም ማለት ኣብ 2011 በጀት ዓመት ካብ 659,280 ሃወፅቲ ውሽጢ ዓዲ ልዕሊ ብር 1 ቢልዮን  ከምኡ  እውን ካብ 91,764 ዓለምለኻዊ ሃወፅቲ  ድማ ልዕሊ 126 ነጥቢ 6 ሽሕ ዶላር ዩኤስ ኣሜሪካ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ንዝተዋፈሩ ኣካላትን ተጠቀምትን ምዓላ ውዒሉ ኣሎ፡፡


ይኹን ደኣ እምበር እዚ ምስ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዓለም ዘሎ ምንቅስቓስ ቱሪዝም እንትነፃፀር ወናኒት ነዊሕ ታሪኽ፣ ሕላገት፣ ሓድግታት፣ ቅርስታት፣ ወዘተ ዝኾነት ትግራይ  ኣብዚ እተዉ ዝብሃል ኣይኮነን፡፡ ከም ፀብፃብ ትካል ቱሪዝም ዓለም ሕቡራት መንግስታት ከም ኣቆፃፅራ ጎርጎሮሳዉያን /ኣውሮፓ/ 2019, ብደረጃ ዓለም 1 ነጥቢ ሓሙሽተ ቢልዮን /1.5 ቢልዮን/ ዓለምለኸ ሃወፅቲ /ቱሪስት/ ኣብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዕ ዓለም ከምዝሃወፀ /ዑደት/ ከምዘካየዱ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ፡፡ ካብዞም ዓለምለኸ ቱሪስት 5 ነጥቢ 9 ትሪልዮን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ጥቕሚ ከምዝዋዓለን ካብዚ ዩኤስ ኣሜሪካ 263 ቢልዮን ዶላር፣ ቻይና ድማ 90 ቢልዮን ዶላር ካብ ቱሪዝም ከምዝረኸባ  ኣብ ቱሪዝም ዝተዋፈሩ ትካላትን ምሁራንን ኣፍሊጦም ኣለዉ፡፡

 

 

ትግራይ መበቆል ስልጣነ  ሕምብርቲ ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ብምዃና ከምኡ እውን መንበሪት ናይ እማቱ ዘይደሊ ናይ ባዕሉ እውን ንዝኾነ ምድራዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ካብ ዘይህብ ህዝቢ ምፍጣር ዘኩርዕ እዩ፡፡ ይኹን ደኣ'ምበር  ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ፣ ፋሽሽታዊ ወታደራዊ ደርግን፣ ሎሚ ሓመዶም ነጊፎም ካብ መቓብር ተላዒሎም፣ ፀሓይ ዝበረቐትሎም ዝመሰሎምን ሓይልታት ትምክሕቲ፣ ትግራይ ወናኒት እዚ ኩሉ ዘይተተንከፈ ሃፍተ-ገነት ብምዃና ዘየሕጎሶምን፣ ዓይኖ ደም ዝመልእ ደመኛ ፀላእቲ፣ ኣብ ማህፀና ዘሎ ዕቑር ፀጋ፣ ብሓደ ገፅ፣ ዓለምና ከይትፈልጦ  ሓቲት /ናሬሽን/  ድኽነት ቀሪፆም ምስልኺ ብኣሉታ ክቕረፅ ገይሮም በቲ ኻሊእ ገፅ ድማ ዘይረሃፅሉን ዘይናቶምን ፀጋታታ ሰሪቖም ናይ ባዕሎም ክገብሩ ፅዒሮም፡፡

 

 ሎሚ እውን ንዓመታት ዝምነይዎ ዝነበሩ ኣብ ምዕራባውን ደቡባውን ክፋል ትግራይ ዘሎ ሃፍተ-ገነት ክሰርቁ በብፅባሕ ዓይነቱን ሽሙን ከም ነፋሒቶ ዝቀያየር "ኣስመላሽ ኮሜቴ" ዝበሃል ኣጣይሾም ላዕሊን ታሕትን ኢሎም እዮም  ይብሉ እውን ኣለዉ፡፡ እንተኾነ እዙይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መሬት እናሃለወ ፈፂሙ ከምዘይኸውን ፀላኢን ፈታውን ክፈልጥ ይግባእ፡፡

 


ኣብ መወዳእታ ብሽርሒታት ትምክሕቲ፣ ብዓቕሚ ምንኣስን፣ ባዕልና ክንሰርሖ ዝግበአና ዘይምስራሕ፣ ካብ ተፈጥሮኣዊ፣ ባህላውን ህዝባውን፣ ሕላገትና፣ ሓድግታትና ቅርስታትናን ክንረኽቦ ዝግበአና ረብሓ ኣይረኸብናን፡፡ ስለዝኾነ ካብ ሕዚ ጀሚርና "ትግራይ፣ ዓለምና ብዕሊ፣ እንተትፈልጠኪ!! እንታይኮን!- ምሸለመትኪ!!?" እናበልና ክንነብር የብልናን፡፡

 

ዓለም ናባና ክትመፅአና እንተድኣ ደሊና ብውሑድ ብፕሮሞሽን ኣቢልና ኣቐዲምና ንሕና ክንከዳ ይግባእ፡፡ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶና ውሽጠ ሚሽጢር ሃፍተ-ገነት ትግራይና ተረዲኡን ዓቂቡን ናብ ረብሕኡ ከውዕል ክረባረብ ይግባእ፡፡ ብሓፈሻ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት፣ ኣብ ውሽጥን ወፃኢን ዘለኹም ምሁራን ደቂ ትግራይ፣ ናይ ፕሮሞሽን ኣካላት፣ ዘፈር ኮምዩኒኬሽን ሚዲያን፣ ኣወንታዊ ምስሊ ትግራይና ብጭቡጥ ዘርኢ ሃፍተ-ገነትና ዓለምና ብዕሊ ፈሊጣቶ  እዙይን ከምዙይን ዝበለ ‘ዶ ኣሎ እዩ? ኢላ ገፃ ናባና ክትመልሶን ብቱሪዝም ግቡእ ቦታናን ክብርናን ክንሕዝ ዘኽእል ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ፡፡

 

ብሓፂሩ ህዝብና ተረባሓይ ንምግባር ሕዚ እውን "መስመርና- ኣፅኒዕና ኣብ ሰለስተ መኸተ ግንባራት ዓሲልና" ሓዱሽ ተኣምራዊ ታሪኽ ዳግም ከምንሰርሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይንጠራጠርን፡፡

 


ፍልፍል ፡ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ