ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ክፈትሖ ሓቲቱ። ብተወሳኺ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ብዘይ ክሲ ምእሳር ደው ከብል ጸዊዑ'ሎ።

መቐለ 24 መጋቢት 2012 ዓ/ም ( ትግራይ ቲቪ)

ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ 27 መጋቢት  ብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ለገጣፎ ከምዝተኣሰረ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ  ኢትዮ ፎሮም ብዝብል  ዘርቕርቦ  ሰሙናዊ   መደብን፡ ኣብ 'ፍትህ' ዝተብሃለት  መጽሄት  ውልቀ  ብዘቕርቦ ጽሑፋቱን ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክን 'ኢትዮ ፎረም' ኣብ ዝበሃል ናይ ዩቱብ ቻነሉን ድማ፡ እዋናዊ ጸብጻባት የቕርብ ነይሩ።

መሓዙቱ ንሲፒጄ ከምዝበልዎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 28 መጋቢት ናብ ቤት-ፍርዲ ዝቐረበ ኾይኑ፡ ክሲ ከይቀረበሉ  ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ክጸንሕ ተወሲኑ እዩ።

"ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ዝደልየሉ ኣብዚ እዋን ንጋዜጠኛ ምእሳር፡ ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጸብጻባትን ናይ ተቓውሞ ሓሳባትን ንክህልዉ ዝገብር እዩ" ኢላ ተወካሊት ሲፒጄ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪካ፡ ሙቶኪ ሙሞ።

"ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ንጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይቅድመ ኹነት ብህጹጽ ክፈትሕዎን፡ ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ጸብጻባት ካብ ምምማይ ክቑጠቡን ኣለዎም" ኢላ።

መሓዙቱ ንሲፒጄ ከምዝበልዎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ዘቕርቦም ጸብጻባት ንማእከላይ መንግስቲ ዝነቕፉ ብምንባሮምን፡ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘለዎ ምትእስሳርን ኣብ ዓይኒ ሰበ-ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ኣትዩ ጸኒሑ እዩ።

ሰራሕተኛተት ጸጥታ ማእከላይ መንግስቲ የፈራርሕዎ ምንባሮም እውን እቶም ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ መሓዙቱ ንሲፒጄ ተዛሪቦም እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር  አምባሳደር  ስዩም መስፍን ብዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ካብ ሓደ ኣባል ጸጥታ ማእኸላይ መንግስቲ  ቴሌፎን ተደዊልዎ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ