ኣብ ጉዕዞ ወዲ ሰብ ዘጋጠሙ ተላባዕቲ ሕማማትን መከላኸሊን

    ኣብ ጉዕዞ ወዲ ሰብ ዘጋጠሙ ተላባዕቲ ሕማማትን መከላኸሊን

       መቐለ 14 መጋቢት 2012 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ)

ህዝቢታት ዓለም ንለውጢን ምዕባለን ኣብ ዝጓየይሉ ህሞት ኣብ ቅድሚኦም ከበድቲ ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ሓደጋታት ክገጥምዎም ይረኣዩ፡፡ ኣብዚ ሀዚ እዋን ገጠሙ ምስ ዘሎ ተላባዓይ ሕማም ኮሮና ተታሓሒዙ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ይቐርቡ፡፡

 

ንኮሮና ኣቕልል ኣቢሎም ዝገልፁ ወሃብቲ ርኢቶ ልሙድ ጉንፋዕ ወይ ድማ ጨለውታ ብምባል ሓዱሽ ነገር ኣይተፈጥረን ክብሉ ከለዉ ብሊእ¸ገፅ ድማ ቁጠዐ ፈጣሪ  ክሕማማት እንትጎንፍዎምን ንዕቤቶም አዚዮም ፈተና እንትኾንዎም ይረኣዮ፡፡ እዙይ ዝተረድኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ከምዚኦም ዓይነት ሕማማት ብኣጋ ትኹረት እንተዘይተጌርሎም ጉዳይ ዘርኢ ሰብ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ይምሕፀኑ ኣለዉ፡፡

 

ሲኤንኤን ዝተብሃለ ማዕኸን ዜና ኣብዚ ሀዚ እዋን ኣጋጢሙ ምስ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ኣተሓሒዙ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ክሳብ ሀዚ ኣብ ህይወት ሰብ ዘጋጠሙ ሕማማት ሐደገኛነቶምን መከላኸሊ ሜላታቶምን ኣቐሚጡ እዩ፡፡

 

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብ430 ዓ/ዓ ኣብ ግሪክ ወዲሰብ ዝተርኣየ ተላባዓይ ሕማም ፍንጣጣ ኾይኑ ብቐሊሉ ብናይ ቆርበት ምትንኻፍ ወይ ድማ ብአየር ዝመሓላለፍን እንትኾን ኣብቲ ጊዜ 30000 ህዝቢ አቴንስ በቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም እዮም፡፡

    እዚ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ከም ቀዳማይ ተላባዓይ ሕማም ኮይኑ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ 20 ሚኢታዊ ህይወቶም ሲኢኖም እዮም፡፡ እቲ ሕማም ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተልዓለን ብግዚኡ መከላኸሊ ዝተረኸበሉን እኳ እንተኾነ ክሳብ ዕስራ ክፍለዘመን ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ናብ ደረጃ ለበዳ እናዓበየ ዝፀንሐ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡    

ኣብ 1334 ዓ/ም ብለበዳ ደረጃ ዝተርኣየን ዓብይ ለበዳ ለንደን እናተብሃለ ዝግለፅ ሕማም ኾይኑ መበገሲኡ ቻይና ጌሩ ብምኽንያት ንውውጥ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተሻገረ እዩ፡፡ እዚ ለበዳ  ኣብቲ መስመር ንግዲ ንዝነበራ ዓበይቲ ከተማታት ዘጥቀዐ እንትኸውን ፍሎረንስ ዝተብሃለት ናይ ዓዲ ጥልያን ከተማ ኣብ መጀመሪያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ካብ ዝነበርዋ ቴስዓ ሽሕ ነበርቲ ውሽጢ ሲሶ ብቲ ሕማም ከምዝሃለቑ ይፍለጥ፡፡ ብኣውሮፓ ደረጃ እንትረአ ግን ብቲ ሕማም ጥራይ 25 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ሞት ተሳጢሑ እዩ፡፡

 

ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ዓለም ብለበዳ ደረጃ ዝተርአየን እንታይነቱ ግን ብግልፂ ዘይተፈልጠን ለበዳ ብ1860 ኣብ ሆንግ ኮንግ፣ ቻይናን ህንዲን ዝተርአየ ኾይኑ 12 ህዝቢ ንሞት ዘሳጥሐ ሕማም ኮይኑ ተመዝጊቡ ይርከብ፡፡ እቲ ለበዳ ብኸመይ ከምዝተላበዐን ብኸመይ ጠጠው ከምዘበለን ክሳብ ሀዚ ንሰብ ሞያ ጥዕና ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይንዎም ይርከብ፡፡

 

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ፀሊም ሞት እናተብሃለ ዝፍለጥ ለበዳ ሕማም ከም ሽሙ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓን ኤስያን ፀሊም ነጥቢ አዕሪፉ ዘሕለፈ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ እዚ ሕማም ኣብ ቆርበት ወዲሰብ ነጠብጣብን ሓፈውን ዘኸተለ ኮይኑ እቲ ዝኸፍአ መቕዘፍቲ ዘስዓበ ሕማም እውን ኮይኑ ተመዝጊቡ፡፡

ብለበዳ ደረጃ ካብ 1347 ክሳብ 1351 ዓም ዝፀንሐ እንትኾን ክሳብ 200 ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ንሞት ኣጋሊፁ እዩ፡፡ ቀንዲ መመሓላለፊ እዚ ሕማም ኣብ ፀለምቲ ኣናፁ ብዝነበሩ ፐርሲኒያ ፔሰተስ ዝተብሃለ ባክተርያ መማሓላለፍቲ ቁንጪታት ኮይኑ እዘን ኣናፁ ድማ ምስ ናይ ንግዲ መራኽብን ጀላቡን ካብን ናብን ኣውሮፓን ኤስያን ከም ዝተስፋሕፈሐ እዩ፡፡ ሓውሲ ደሴት ኪሪሚያን ሃገራት መዳበቡቲ ፀሊም ባሕሪን ናይቲ ሕማም ኣውራ ተጠቃዕቲ ኮይነን ሓሊፈን እየን፡፡

ኣብ ታሪኽ¸ኣውሮፓ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ሞት ዝተርኣየሉን ልዑል ፅዕንቶ ዘስዓበ እንትኾን ሃይማኖታዊ ፣ ማህበራዊና ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው እውን አስዒቡ፡፡ ብቲ ግዜ ናይ ሃሪ መስመር እናተብሃለ ዝፍለጥ ዝነበረ መስመር ንግዲ ፀሊም ሞት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽስፋሕፋሕ ልዑል ግደ ተፃዊቱ ሓሊፉ እዩ፡፡

 

እዚ መቕዘፍቲ ዝፆረ ለበዳ ካብ ዘጋታት ሃገራት ኣውሮፓ ካብ  30% ክሳብ 60% ከምዝቐተለ ይግመት፡፡ ጥቕልል ኣቢልካ እንትረአ ኣብ መበል 14 ክ/ዘመን እዚ ለበዳ ካብ 475 ህዝቢ ናብ 350 ሚልዮን ንኽቕንስ ምኽንያት ከምዝኾነ ብዝሓት ሰብ ሞያ ስነ ህዝቢ ይስማዕምዕሉ፡፡ ሃገራት ኣውሮፓ እዚ ሕማም ዘስዓበለን ሃሰያ መሊሰን ንምርካብ ክሳብ 200 ዓመት ወዲኡለን እዩ፡፡

 

ስፓኒሽ ፍሉ ኣብ 20 ክ/ዘመን ካብ ዝተርኣዩ ቀተልቲ ሕማማት ሓደ ኮይኑ ይጥቀስ፡፡ እዚ ተላባዓይ ሕማም ኣብ 20 ክፍለ ዘመን እቲ ዝዓበየ ለበዳ እናተብሃለ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ደቡባዊ ባሕሪ ክሳብ ሰሜን ዋልታ ኣውሮፓ ኣብዘለዋ ሃገራት ካብ ዝነበሩ 500 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋታት እዘን ሃገራት ሕሚሸን ዝኣኽሉ ደቂ ሰባት ንሕልፈት ተሳጢሖም እዮም፡፡ እዚ ሕማም ምስ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ተታሓሒዙ ምስ ዝነበረ ስርዓት አመጋግባን ፅሬትን ንምክልኻሉ እውን አዚዩ አፀጋሚ ምንባሩ ይዝንቶ፡፡

ከም ፀብፃብ ሲ ዲ ሲ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2009 መበገሲኡ ሜክሲኮ ዝገበረ ጉንፋዕ ሓሰማ እናተብሃለ ዝፍለጥ ለበዳ እንከይደሓነ ኤች 1ኤን 1 ዝተብሃለ ቫይረስ መላእ ዓለም ንምብፃሕ ዝወሰደሉ አዚዩ ሓፂር ግዜ ኔሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ውሽጢ ክሳብ 1.4 ዝኣኽሉ¸ህዝብታት ዓለም ብቲ ሓደጋ ዝተጠቕዑ እንትሾኑ ክሳብ 575,400 ዝኣኽሉ ህዝቢታት ንሓደጋ ሞት ተጋሊፆም ፡፡

ኤች 1ኤን 1 ብቐዳምነት ህፃናትን መናእሰይን ዘጥቀዐ እንትኾን ንሞት ሐደጋ ካብ ዝተጋለፁ ሰባት ውሽጢ 80 ካብ ሚኢቲ ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመት ኮይኑ ተመዝጊቡ ሓሊፉ እዩ፡፡ ጉንፋዕ ሓሰማ ብዘይተለመደ መልክዑ ንሰብ ፀጋ ዕድመ ዘየጥቅዕ እንትኾን ኣብ መወዳእታ ግና ሰብ ሞያ ጥዕና ብዝገበርዎ ርብርብ ክትባት ክርከበሉ ክኢሉ እዩ ፡፡

 

ዓለም ኣብዚ ሰዓት እዙይ እውን ከም ዝተለመደ ከቢድ ፈተና ገጢሙዋ ይርከብ፡፡ ኣብ ቻይና ክልል ሁባይ ዉሃን ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝጀመረ ኮረና ቫይረስ አካላት መተንፈሲ ደቂሰብ ብምህዋኽ ናብ ደረጃ ሞት ዘብፅሕ አዚዩ ተላባዓይ ሕማም ገጢምዋ ይርከብ፡፡
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዓም ዝጀመረ እዚ ተላባዓይ ሕማም ንሃገርና ሓዊሱ 193 ሃገራት ዓለም ተባፂሑ ይርከብ፡፡

ኮረና ቫይረስ ብደረጃ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓደገኽነቱ ተገምጊሙ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝአወጀ እንትኾን ብዙሓት መራሕቲ ሃገር ዝተፈላለየ ሜላ ምክልኻል ተኸቲሎም ናብ ህዝቦም ፃዉዒት እናቕረቡ ይርከቡ፡፡

ኮረና ቫይረስ ቅድሚ ሀዚ ካብ ዝነበሩ ተላባዕቲን ሐደገኛታት ሕማማት ዝፍለየሉ ምኽንያት¸ብምክልኻል ጥራይ ኩሉ ሰብ ክድሕን ዝኽእለሉ ዕድል ዘሎ ምዃኑ እዩ፡፡ ብኽልል ደረጃ እዚ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእል ግብሪ ሓይሊ ዝተጣየሸ ኾይኑ ብሃገርን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝወሃቡ ሓበሬታታት ተኸቲልካ ብምስራሕ ናይ ግልን ስድራን ሂወት ምሕላው ይከኣል እዩ፡፡   

     ብገብረዝግኣብሄር ሃይሉ