ኦነግ ቅድሚ ዓመታት ካብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ሓበሬታ ይቕበል ምንባሩ ዕላዊ ገይሩ፡፡

መቐለ 23 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም (ትግራይ ቲቪ)

ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መራሒኡ ክፍጸም ዝተሃቀነ ጥቕዓት ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ናብቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ መሪሕነት ከም ዝበጽሐ ኦነግ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ለገሰ ወጊ ቅድሚ 10 ዓመት ዝተቐተለ ኮይኑ፡ ጉዳይ ቅትለቱ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ብመንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ቀሪቡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣብዚ ቅነ ዝተወለዐ ጎንጺ ንምህዳእ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከይዶም ምስ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኦነግ ዝነበሮም ርክብ ምግላፆም ተሳተፍቲ ይዛረቡ። ኣብቶም መድረኻት ዘተ ብዛዕባ ለገሰ ወጊ ኣልዒሎም ምንባሮም 'ውን ይግለጽ። ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር አብይ ኣሕመድ ኣብ ኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ይሰርሑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሓይሊ ኦነግ ወፍሪ ክካየድ ይሕሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓበሬታ ኣሕሊፎም ከም ዝሃቡ ይዝረብ።

ብመሰረት'ቲ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ዝተረኸበ መረዳእታ፡ ለገሰ ወጊ ካብቲ መጥቃዕቲ ንነብሱ ክሕሉ እንተሓበሩሉ'ኳ፡ መብዛሕቱ እዋን ግን ለገሰ ወጊ ናይ በዓሉ ውሳነ ይወስድ ከምዝነበረ ኦነግ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር አብይ ዝመርሕዎ መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ናይ ሽዑ እዋን ምስቲ ግንባር ተቐራሪብካ ኣብ ምስራሕ ክፍተታት ምህላዎም ኦነግ ሓቢሩ'ሎ።

ምኽንያት መግለጺ ኦነግ

ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ዝኮኑ ኣይተ ሚካኤል ቦረን፡ እዚ መግለጺ ብሰለስተ ምኽንያታት ክወጽእ ከም ዝኸኣለ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ብዛዕባ ምስ ኦነግ ዝነበሮም ርክብን ቅትለት ለገሰን ብተደጋጋሚ ምግላፆም፡ "ንሞት ለገሰ ብኣና ወገን ክፍተት ከም ዝነበረ ንምምሳልን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጥራጣረ ንምፍጣርን'ዩ" ክብሉ ኣረዲኦም። "ነዚ ጉዳይ ደጋጊምካ ምልዓል ንምንታይ ኣድለየ? [ስለዚ] ህዝቢ ከይደናገርን እቲ ኩነታት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ንምፍላጥን'ዩ እቲ መግለጺ ዝወጽአ" ኢሎም።

"ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ስለምንታይ ብዛዕባ ለገሰ ጥራይ ደጋጊሞም ከልዕሉ ደልዮም?" ዝበሉ እቶም ኣባል መሪሕነት ኦነግ፡ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣባላት'ቲ ግንባር ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ሎሚ'ውን ደው ከምዘይበለ ዘርእይ ምዃኑ ይገልጹ።

"ብዛዕባ ለገሰ ንዝገበርዎ ነገር ካብ ምዝራብ፡ ሎሚ ስልጣን ኣብ ኢዶም ከሎን መሪሕነት ኦነግ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ እናሃለወን፡ ካብቲ ናይ ሽዑ ብዝያዳ ክሰርሑ ምኸኣሉ" ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቤት ጽሐፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣብቲ ብኦነግ ዝተወሃበ መግለጺ መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ ትግርኛ